Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ዞባታት ደቡብን ሰሜንን ጎንደር ኣብ ግምባር ጋይንት በዓል መስቀል ኣኽቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ዞባታት ደቡብን ሰሜንን ጎንደር ኣብ ወፍሪ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ግምባር ጋይንት በዓል መስቀል ኣኽቢሮም።

ምስ ሰራዊት ምክልኻል፣ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚሊሻን ብምዃን ኢዩ እቲ በዓል ኣብ ግምባር ጋይንት ብምርካብ እቶም ኣመራርሓታት ኣኽቢሮም ዘለዉ፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣይተ ቀለመወርቅ ምህረቴ፥ ኣብ ዱርን ገደልን እናተዋደቑ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ደጀንነት ህዝቢ ንምርኣይ በዓል መስቀል ንምኽባር ብምሕሳብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ሰሜን ወሎ ኣይተ ጋሻው ኣስማማው ብግደኦም፥ በዓል መስቀል እንትነኽብር ኣብ ፀገም ዝርከቡ ህዝቢ ወሎን ከባቢኣን እናሓሰብና ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡

ሰራዊት እውን ኣብ ሓፂር እዋን ህዝቢ ናፃ ከውፀኦ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ግምባር ዝርከቡ ላዕለዎት መኮንናት፥ ኣብ ወፍሪ ንዝርከብ ሰራዊት ደጀንነት ህዝቢ ዕዙዝ ከምዝኾነ፤ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ፀላኢ ከምዝድምስሱ፤ እዚ ንምትግባር ድማ ኩሉ ኣባል ሰራዊት ኣብ ፅቡቕ ቁመና ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.