Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ሚኒሰስቴር ፍትሒን ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያን ብኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስቴር ፍትሒ ፌዴሪኢን ኣመራርሓን ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕን ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ዘብፀሖም ጉድኣታት ከምዘተመልከቱ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ማሕበርን ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕትመትነን ዓለም ለኸ ርክብን ኣይተ ቴዎድሮስ ጌታቸው፥ ኣብ ክልቲአን ክልላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፀሖ ግፍዒን ጥፍኣትን እናተዘከረ ዝነብር ናይ ታሪኽ ፀሊም ነጥቢ ከምዝኾ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብሓፈሻ ንኢትዮጵያ ኣተኣሳሲሩ ዝሓዘ ናይ ዘበናት ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ምክብባር፣ ምክእኣል ዝበሉ ክብሪታት ክበጣጠስ ዕላማ ምግባሩ ተዛሪቦም።

ኣይተ ቴዎድሮስ ወሲኾም ከምዝበሉዎ፥ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ምምላስ ኣይከኣል እምበር ዝበፅ ሰፊሕ ዕንወት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ርብርብ ግዲ ዝብል ኢዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ሕጊ ዝተዋፈሩ ጠበቓታትን ኣማኸርቲ ሕጊን ብውልቀ ይኹን ብብርኪ ማሕበር ናይ ባዕሎም ግደ ንምውፃእ ድሉዋት ከምዝኾኑ እቶም ኣካቢ ኮሚቴ ገሊፆም።

ብፍሬህይወት ሰፊዉ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.