Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር እቶት ልገሳ ደም ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ንምሕጋዝ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር እቶት ልገሳ ደም ኣካይዶም።

እቶም ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ብወለንተኦም ደም ዝለገሱ፥ ኣብ ወፍሪ ዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ኣብ ጎኖም ምዃኖም ንምግላፅ ዓሊሙ ዝግበር ሓገዝ ምዃኑ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ ገሊፆም።

ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ዚሕዚ እዋን ሉኣላውነትን ክብሪን ሃገር ብምሕላው ሕጊ ኣብ ምኽባር ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ደም ብምልጋስ ኣብ ጎኖም ከምዝኾኑ ብተግባር ንምርኣይ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።

ደም ምልጋስ ህያብ ህይወት ስለዝኾነ፥ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ንሃገር ንምኽፋል ምስ ዝተሰለፈ ጅግና ሰራዊት ምዃን ከምዝግባእ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

እቶም ደም ዝለገሱ ሰራሕተኛታት፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲከምዝድግፉ ገሊፆም።

መልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ብዝከኣሎ ኩሉ ኣብ ጎኒ ሓይሊታት ፀፅታ ንኽስለፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመለሰ ምትኩ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.