Fana: At a Speed of Life!

ኣሉላ ገብረኣምላኽ ተዓዋቲ ውድድር ”ፋና ላምሮት”ምዕራፍ ትሽዓተ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ድምፃውያን ”ፋና ላምሮት”ምዕራፍ ትሽዓተ ሎሚ መዓልቲ ተኸንቢቱ።

እቲ ውድድር ድምፃውያን ባዕልቶም በዝሓረይዎምን ዳያኑ ብዝመረፅሎምን ሙዚቃታት እናተፈተኑ ንትሽዓተ ዙር ምፅንሖም ይፍለጥ።

ብቐጥታ ፈነወ ዳያኑ ካብ ዝህብዎ ሞያዊ ዳይነት ብተወሳኺ ተመልከትቲ ብ”8222” ኮድ ተወዳደርቲ ብምልኣኽ እንትድግፉ ምፅንሖም እውን ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ንተዓወትቲ ድምፃውያን ሽልማት ተዋሂቡ።

ስለዝኾነ ኣሉላ ገብረኣምላኽ ቀዳማይ ተዓዋቲ ውድድር ”ፋና ላምሮት”ምዕራፍ ትሽዓተ ብምዃን 200 ሺሕ በር ተበርኪቱሉ።

መክብብ አራጌ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ 150 ሺሕ ብር፣ ዘላለም ታደሰ ሳልሳይ ብምውፃእ 100 ሺሕ ብር ከምኡወን ረቂቅ ኣሰግድ ሳልሰይቲ ብምዃን 50 ሺሕ ብር ተበርኪቱሎም።

ምኽትል ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣቤል ኣዳሙ፥ ብቐጥታ ፈነወ ዝዳነ ውድድር ድምፃውያን ፋና ላምሮት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ፈላማይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ውድድር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብዙሓት ደምፃውያን ከምዘፍረየ እውን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ብዙሕ ጥበበን ጥበበኛን ዘለዋ ሃገር ኢያ ዝበሉ ኣይተ ኣቤል፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እቲ ዕድል ዘይረኸቡ ድምፃውያን ተሳትፎ ንክገብሩ ዕድል ብምፍጣር ጥበበኛታት ካብ ውሻጦ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን በቢገዘኦም ዝተሓብኡ ኮኾባት ናብ ኣደባባይ መውፅኡ ከምዝቕፅለሉ ተዛሪቦም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.