Fana: At a Speed of Life!

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ ተርሚናላት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ ተርሚናላት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዑደት ገይሮም።

እቶም ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ተርሚናላት ትራንስፖርት ህዝቢ ላምበረትን ከተማ ኣዲስ ኣዲስን ኢዮም ኣብ መዋፈሪ ሰዓት ትራንስፖርት ተረኺቦም እናተውሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታ ክዕዘቡ ዝኸኣሉ፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ÷ ኣብቶም ተርሚናላት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዝተመለከቱ እንትኾኑ÷ ኣወሃህባ ስርዓትን፣ ኣተሓሕዛ ተሳፈርቲ፣ ተግባራዊነትን ኣገልግሎትብ ታሪፍ ትራንስፖርት ንሕብረተሰብ ብዝምጥን መልክዑ ኣገልግሎት እናተውሃቡ ምዃኖም ፈቲሾም ተባሂሉ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዑደቶም ዝተዓዘቡዎም ክፍተታ ኣወሃህባ ኣገልግሎታት ብህፁፅ መስተኻኸሊ ንኽግበረሎም ዘተሓሳሰቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ተርሚናላት ዝወሃብ ኣገልግሎት ምውፋር ትራንስፖርት ህዝቢ ብጥቡቕ ክትትል ከምዝምራሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.