Fana: At a Speed of Life!

ኣህጉራዊ ፌስቲቫል ፋሽን፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ሸነን ኣፍሪካ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማየ ዝኾነ ኣህጉራዊ ፌስቲቫል ፋሽን፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ሸነን ኣፍሪካ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት እናተኻየደ ብምፅናሕ ሎሚ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተዛዚሙ፡፡

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ሓዊሱ ሚኒስትር ዴኤታታት እቲ ዓውዲን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ተረኺቦም።

እቲ ፌስቲቫል ሃገር በቆል ፍርያታት ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ ኣብ ሃገራዊ ህንፀት ምስሊ ልውውጥ ልምዲ ከመዝተኻየደ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ፍሉጣት ተፃወትቲ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ስፖርታዊ ፀወታታት ሓዊሱ ምርኢት ፋሽን ሾው ዓውዲ ኪነ ጥበብን መሰል ከነታትን ከምዝተኻየዱ ተገሊፁ፡፡

ኣህጉራዊ ፌስቲቫል ፋሽን፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ሸነን ኣፍሪካ÷ ነበር ፍሉጣት ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ፣ ተዋሳእቲን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.