Fana: At a Speed of Life!

ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንኽቀላጠፍ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ጉጅለ 20ን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (ውሕመ) ቅድሚ ምርኻቡ፤ ኣብ ውህደት ኣፍሪካ ንምዝታይን ሓደ ውፁእ ቅዋም ንመሓዝን ኣብ ጋና ምይይጥ ተገይሩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እቲ እዋን ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሪፐብሊክ መሓመድ ኡልድ ጋዙዋኒ÷ ከየዲ ውህደት ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍ ኣገንዚቦም፡፡

እዚ ድማ እታ ኣህጉር ንምሕጋዝን ጠለብ ዜጋታት ንምዕዋትን ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምቅልጣፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ከይዲ እቲ ውህደት ንምድጋፍ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክታት ቀረብ ፋይናንስ ዘድሀበ ዘተ ከምዝገበረ  ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብግደኦም፥ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀፃሊ ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ዝህልዉወን ርክባት ኣብ ኣህጉራዊ ሓበራዊ ጠለብ ዝተመስረተ ንኽኸውን ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ኣብ ዝኾነሎም ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብሓደ ድምፂ ምዝራብ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.