ኢ-ፍትሓዊ ከይዲታት ንምፍታሕ ምውዳድ የድሊ – ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ዝረኣዩ ኢ-ፍትሓዊ ከይዲታትን ኲናትን ንምፍታሕ ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲጄኔሮ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ዓለም ለኸ ትካላት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ጠመተ ከምዘድሊዮ ኣፅንኦት ሂቦም።
ናይ ዓለምና ኢኮኖሚ ፈትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ብፍላይ ኣብ መዕባይ ዝርከባ ሃገራት ተሓሳቢ ዝገበሩ ስራሕቲ ምዕያይ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ቻይና ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ብፍላይ ኣብ መዕባይ ኣብ ዘርከባ ሃገራት ብሰንኪ ክሌማዊ ለውጢ ዘጋጥም ፅዕንቶ ንምቕራፍ ብምትሕብባር ከምእትሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ብኣፈወርቅ እያዩ