ኢጋድ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝድግፍ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢጋድ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝድግፍ ገሊፁ።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብኣደራዳሪነት ቱርኪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት ኢጋድ ብእወንታ ኢዩ ዝርእዮ ኢሎም።
እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ዝፀንሐ ማሕበራዊ ዝምድና ንምጥንኻርን ከልቲኣዊ ዛዕባ እተን ሃገራት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕን ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም።
እቲ ስምምዕነት ነክፍፀም ንዝገበሩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብምንኣደ፥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓበራዊ ፀገማት ንምፍታሕን ሰላምን ምርግጋዕን ንምንጋስን ዲሎማሲያዊ ፃዕሪታት ኣድላዪ ከመዘኾነ ኣገንዚቦም።
ብተወሳኺ እቲ ስምምዕነት ንክፍፀም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነክዛተዩ ብምግበር ልዑል ፃዕሪ ነዝገበሩ ፕሬዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን አመስጊኖም።