Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮ-ኣሜሪካ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ሓዊሱ ኩለመዳይ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብ ኮሚቴ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሪካ ሴኔት ኣሜሪካ ኣባል ላዕለዋይ ፕሮፌሽናል ስታፍ ምስ ዝኾኑ ጆን ቶማስዘውስኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ፤ ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ምሕዝነትን ብምድሃብ ከምዝዘተዩ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የመላኽት፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጎልብቱ ተግባራት ንምውጋን ኢትዮጵያ ቆራፅ ከምዝኾነት እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብሪሀን፡፡

ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ቁልፊ መሓዛኣ ከምዝኾነት እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.