Fana: At a Speed of Life!

ኢንዱስትሪታት ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዕድላት ዕዳጋ ንምጥቃም ከሰርሑ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ወፃኢ ሃገር ዘለዉ ዕድላት ዕዳጋ ንምጥቃም ብዝተወደበን ዝተዋደደን ኩነታት ክሰርሑ ከምዘለዎም ሚኒስቴር ኢንዱሰትሪ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኣመራርሓን ሰብ ዋናን ኢንዱስትሪ ጨርቀ መርቂን ዓለባን ኣብ ወጻኢ ፍርያታት ዘቲዮም፡፡

ኣይተ መላኩ ኣብቲ እዋን÷ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ዕድላት ዕዳጋ ንምጥቃም ብዝተወደበን ብዝተዋደደን ኩነታት ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ልዑል ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ዘለዎም ኩባንያታት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ብምግባዝ እታ ሃገር ዘለዋ ምቹው ኩነታት ዕዳጋ ንኽግንዘቡ ናይ ምግባር ስራሕ ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ናይ ወፃኢ ገዛእቲ ንምስሓብ ኣብ ዝግር ፃዕሪ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምርግጋፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.