Fana: At a Speed of Life!

ኢንተርነሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀፃሊ 2 ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንተርነሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀፃሊ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪካን መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለምን ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም።

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ፅቡቕ ብቕዓት ዳይነት ዘርአዩ ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ዝቕፅል ቀዳም 16 መጋቢት ዝግበር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ኣፍሪካ ማማሎዲ ሰንዳውስን ኣል ሃሊን ብዋና ዳይነት ንምምራሕ ብካፍ ተሓሪዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ንምውካል ኣብ ባማኮ ንዝግበር ፀወታ ማሊን ቱኒዚያን ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም፡፡

ኢንተርናሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ክልቲኦም ፀወታታት ንምምራሕ ሎሚ መዓልቲ እቶም ፀወታታት ንምምራሕ በረራ ከምዝገብሩ ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.