Fana: At a Speed of Life!

ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኣብቲ ዓውዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሞም።

ኣብ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ብኣፋን ኦሮሞ ዝተፅሓፋ ታሪካትን ቅርስታትን ብመልክዕ ውህብቶ ንኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ተዋሂቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ኣይተ ዝናቡ ኣስራት፥ ቋንቋታት፣ ባህልን ታሪኽን ክልቲአን ክልላት ንምዕባይ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፈ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ክኢላታት እቲ ኢንስቲትዩት፥ ብዛዕባ ኣፋን ኦሮሞ፣ ባህልን ታሪኽን ኦሮሞ ዝጠመቱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣቕሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ  ዳኒኤል ተኽሉ(ዶ/ር)፥ እቲ ኣካዳሚ ኣብ 2008 ዓ.ም ዝተጣየሸ ምዃኑ ገሊፆም።

ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንኽኾኑ ዝተፈላለዩ መፅናዕትን ምርምራትን ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮ0ም።

ምስ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ብምትሕብባር ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ሕውነትን ሃገራዊ ሓድነትናን ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ምባሎም  ኢቲቪ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.