ኢትዮ ቴሌኮም 75 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምርካቢ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም 203 ግልጋሎታት ብምቕራብ 75 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምርካቢ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ÷ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ኢትዮ ቴሌኮም ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን፡፡
ኣብ መብርሂአን ድማ ኣብቲ በጀት ዓመት ብዝተሰርሐ ስራሕ÷ ሽፋን ሞባይል ኔትዎርክን ብሮድባንድ ኔትዎርክን ምዕባይ ከምዝተኸኣለ ገሊፀን፡፡
ተቋማቸው በበጀት አመቱ ከሚሰጣቸው 203 ምርት እና አገልግሎቶች 75 ነጥብ 8 ቢሊየን ብር ገቢ ማግኘቱን አስታውቀዋል።
ኣፈፃፅምኡ ልዕሊ ትልሚ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣበብቲ በጀት ዓመት ሸርፊ ወፃኢ ካብ ዘምፅኡ ግልጋሎታት ዝተረኸበ ኣታዊ 164 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ በጀት ዓመት 264 ከተማታት ግልጋሎት ሞባይል 4ጂ ክረኽባ ከምዝኸኣላ ኣብሪሀን፡፡
ብፍቅርተ ከበደ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com