Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም 61 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 61 ነጥቢ 9 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬ-ህይወት ታምሩ÷ ብኔትወርክ መስፋሕፍሒ፣ ብፅሬት ኣገልግሎት፣ ሓደሽቲ ኣገልግሎታ ብምጅማር ኣብ ውሽጢ ሽዱስተ ኣዋርሕ 61ነጥቢ 9 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ ካብ ትልሙ 97 ሚኢታዊ ከዐውት ከምዝኸኣለ ብመግላፅ÷ 130 ዓመት ዘቁፀረ እቲ ኩባንያ 80 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓማዊል ከምዘለዉዎ ገሊፀን፡፡

እቲ ኩባንያ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ 23 ነጥቢ 74 ቢሊየን ብር ንመንግስቲ ታክስ ከምዝኸፈለ እውን ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣስዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብፈትያ ኣብደላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.