Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣብ ምግባር ግደ መሪሕነቱ ዝዋፃእ ዘሎ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣብ ምግባር ግደ መሪሕነቱ ዝዋፃእ ዘሎ ከምዝኾነ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍረሂወት ታምሩ ኣፍሊጠን።

እቲ ኩባኒያ፥ ትካላት ውፅኢታዊ ንክኾና፣ ኣገልግሎተን ብቕልጡፍ ተበፃሒ ንምግባርን ፍሪያተን ንምስሳንን ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት ተበፃሒ ምግባር ምኽኣሉ ተዛሪበን።

ቅድሚ ለውጢ 37 ሚሊየን ዝነበረ ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ኩባኒያ ነቲ ለውጢ ስዒቡ ብዝተሰርሑ ስራሕቲን በቢእዋኑ ብዝተገበሩ መመሓየሺታትን ኣብ 2016 ዓ.ም 74 ነጥቢ 6 ሚሊየን ምብፅሑ ሓቢረን።

ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት እውን ካብ 17 ነጥቢ 8 ሚሊየን ናብ 36 ነጥቢ 4 ሚሊየን ምብፅሑ ሓቢረን።

ቅድም ክብል 20 ሚኢታዊ ዝነበረ ተበፃሕነት ስማርት ቴሌፎን ኣብዚ ሐዚ እዋን 46 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣብሪሀን።

ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ብሮድባንድ ቁፅሮም 688 ሺሕ ምብፅሑ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.