Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ክሳብ 30 ሓምለ ፍርቂ ሚሊየን ፈልሲ ከምዝተክል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ክሳብ 30 ሓምለ 2016 ዓ.ም ፍርቂ ሚሊየን ፈልሲ ኣብ መላእ ሃገር ከምዝተክል ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬ-ህይወት ታምሩ ገሊፀን።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ኢትዮጵያ ቴሌኮም ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዶም።

ብብርኪ እቲ ትካል፥ “ንሓምለወይቲ ኢትዮጵያ” ዝበል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ መርሃ ገብሪ ከምዝኾነ እተን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ሓቢረን።

እቲ ትካል ጎድኒ ንጎድኒ ስሩዕ ስርሑ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ምውፃእ ኣንፈት ብምሓዝ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣብሪሀን።

ስለዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ክሳብ 30 ሓምለ ፍርቂ ሚሊየን ፈልሲ ከምዝተክል ኣፍሊጠን።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.