Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሪጅን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ራብዓይ ትውልዲ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሪጅን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ራብዓይ ትውልዲ (4ጂ) ኤል.ቲ.ሲ ጀሚሩ።

እቶም ኣገልግሎት ዝተጀመረለን ከተማታት ባህርዳር ሓዊሱ ፍኖተሰላም፣ ዳንግላ፣ እንጅባራ፣ ቡሬ፣ ደብረማርቆስን ቻግኒን ኢየን።

እቲ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት፥ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ግልጋሎት ኢንተርኔት 14 ዕፅፊ ቅልጣፈ ዘመሓይሽ ከመዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ወርቀሰሙ ማሞ፣ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ኢትዮ ቴሌኮምን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ኣፍሪካ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ትካላት ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኢትዮ ቴሌኮም ተመራፂ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀዳማይ ንኽኸውን እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.