Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ንማእኸል መሕገዚ ህፃናት ሕሙማት ልቢ ዝውዕል ዲጂታል ኣማራፂ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ኣሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ንማእኸል መሕገዚ ህፃናት ሕሙማት ልቢ ኢትዮጵያ ዝግበር ሓገዝ ቀሊልን ቅልጡፍን ንምግባር ዘኽእል ዲጂታል ኣማራፂ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ከምዘሰናደአ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ዲቪዥን ኮሙኑኬሽን ኢትዮ- ቴሌኮም ወ/ሮ ኣዜብ መለሰ እቲ ዲጂታል ኣማራፂ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ÷ “ኢትዮ- ቴሌኮም ኣብታ ሃገር ዲጂታል ቴክኖሎጂዎች ብምቕራብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ንምቕላል ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ” ኢለን።

ማሕበራዊ ሓላፊነቱ ኣብ ምውፃእ እውን ምሕዝነቱ ብተግባር እናርአየ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ን1 ወርሒ ዝፀንሕን እቲ ኣታዊ ንማእኸል መሕገዚ ህፃናት  ሕሙማት ልቢ ዝውዕል መርሃ ግብሪ ሓገዝ ከምዘሰናደአ ገሊፀን፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ÷ ዩትዩብን ፌስ ቡክን ገፃ ኢትዮ- ቴሌኮም ሰብስክራይብን ፎሎን ብምግባር ብሓደ ሰብ 30 ብር ናብቲ ማእኸል ኣታዊ ዝግበረሉ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.