ኢትዮ ቴሌኮም ሓገዝቲ ሓበሬታታት ትምህርቲ ብናፃ ምቕራቡ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ተምሃሮን መምህራንን ላዕለዎት ትካላት ትምህርት ትምህርታዊ ሓበሬታታት ብናፃ ንክረኽቡ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
እቶም ሓበሬታታት ምስ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ምቁራፁ ስዕቡ ዝተሰናድኡ ምዃኖም እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ገፁ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ ገሊፁ።
ተምሃሮን መምህራንን ላዕለዎት ትካላት ትምህርት ሓገዝቲ ሓበሬታታት ትምህርቲ ኣብ መርበብ ሓሬታ http://ndl.ethernet.edu.et/ ብናፃ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።
እቲ መርበብ ሓሬታ ካብ 21 ጉንበት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኢዩ በቲ ኩባኒያ ቀሪቡ ዘሎ።
ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ዝምልከቱ እዋናዊ ሓበሬታታት ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ዝወፅኡ ሓበሬታታት ኣዳሊዩ ብናፃ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana