Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮምን ፖሊስ ፌደራልን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዓነው ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ ዘኽእሉ ናውትታት ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮምን ፖሊስ ፌደራልን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነው 178 ጣብያታት ፖሊስን ሓሙሽተ መምርሕታት ዞባ ፖሊስን መሊስኻ ንምጥያሽ ዝኸውን ብር 10 ሚሊየን ግምት ዘለዎም ንቢሮ ዝዀኑ ቀረብ ናውትታት ድጋፍ ገይሮም።

ኣብቲ እዋን ርኽክብ ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ጄነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለን ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ተኮላ ኣይፎክሩን ከምዝተረኸቡ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል÷ “ጣብያታት ፖሊስ ንሰላምና ዕዙዝ ኣበርክቶ ስለዘለዎም ዝዓነዉ መሊስኻ ንምጥያሽን ስራሕቲ ፀጥታ ብዝበለፀ ክነጠናኽር ኣለና” ኢሎም።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ብግደአን÷ ዝዓነዉ ጣብያታታ ፖሊስ መሊስኻ ንምጥያሽ ወንበር፣ ኮምፒተራትን ፕሪንተራትን ዝኣመሰሉ ድጋፋት ከምዝተገበሩ ተዛሪበን።

ርእስ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ÷ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፁሃን ብምቕታል ከምኡእውን ንብረቶም ብምዝራፍን ብምዕናውን ዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ተኮላ አይፎክሩ ኣብ 5 ክልላት እቲ ዞባ ጥራሕ 83 ጣብያታት ፖሊስ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ከም ዝዓነው ድሕሪ ምሕባር፤ እቶም ዝዓነዉ ጣብያታት ፖሊስ መሊስኻ ንምጥያሽ ንዝተገበረ ድጋፍ ኣመስጊኖም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.