ኢትዮ ቴሌኮምን ማስተር ካርድን ኣገልግሎታት ዲጂታል ፋይናንስ ብሓባር ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ኣካይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይዎት ታምሩን ፕሬዚዳንት ማስተር ካርድ ኣፍሪካ ማርክ ኤሊዮትን ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ዲጂታል ፋይናንስ ንምጅማር ዕድላት ምትሕብባር ንምፍታሽ ዘኽእ ዘተ ኣካይዶም፡፡
እዚ ማዕቐፍ ምትሕብባር ፕላትፎርምታት ቴሌብርን ማስተርካርድን ብምጥቃም ዲጂታል ፋይናንስ ሶሉሽን ንምድንፋዕ፣ ተበፃሕነት ፋይናንስ ብዝለዓለ ኩነታት ንምስፋሕን ዘላቒ ዕቤት ንምብርትታዕን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣብቲ እዋን፤ ትካለን ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ቁፅሪ ዓማዊልን ልዑል መሰረተ ልምዓትን ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡
እዚ ድማ ሓደሽቲ ዕድላት ንምኽፋት ዘኽእል ምቹው ኩነታት ከምዘፈጠረሉ ብምሕባር፤ ብምሕዝነት ንምስራሕ ዘለወን ተበግሶ ኣረጋጊፀን።
ማርክ ኤሊዮት ብግደኦም፤ ኢትዮ ቴሌኮም ቅልጡፍ ዕቤት ዓማዊልን ልዑል ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ንምትሕብባር ተመራፂ ከምዝገብሮ ኣረጋጊፆም፡፡
እዚ ምትሕብባር ንማስተርካርድ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረሉን ንተግባራዊነቱ ዘለዎም ልዑል ቆራፅነትን ገሊፆም፡፡
እቲ ስትራቴጂያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዘለዋ ተወዳዳራይነት ብልዑል ደረጃ ዘዕቢ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡