Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም ኢጋድ ጋህዲ ንምግንባር መሪሕ ከምትኸውን ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም ኢጋድ ጋህዲ ንምግንባር መሪሕ ከምትኸውን ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ገሊፀን።

ሚኒስትራት ቱሪዝም በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ቱሪዝም ኢጋድ” ጠሚቶም እናተዛተዩ ይርከቡ።

እቲ ዘተ ኣብቲ ዞባ ንቐፀልቲ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ተግባር ክውዕል ኢዩ ኣብ ዝተብሃለን ፅባሕ ዕላዊ ኣብ ዝግበርን  “ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ቱሪዝም ኢጋድ” ዘድሀበ ኢዩ።

ኣብ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ እቲ ዘተ መደረ ዘስምዓ ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ÷ ኣብቲ ዞባ ዓለም ለኸ በፃሕቲ ንምዕባይ ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣር ዘኽእል ፍኖተ ካርታ ከምዝኾነ ኣልዒለን።

“ነዚ ድማ ሓበራዊ ምትሕብባር ብምድንፋዕ መልክዓ ብዙሕ ባህሊታት ንበፃሕቲ ምቕራብ ይግባእ” ኢለን።

እቲ ፍኖተ ካርታ ጋህዲ ንምግባር ሕድሕድ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባርን ብንፅልን ዓቕመን ክጥቀማ ከምዝግባእ እውን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዘተ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)ንሚኒስትራት ቱሪዝም ሃገራት እቲ ዞባ እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብይስማው ኣደራው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.