Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ተመራፂት ማእኸል ስሕበት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ምብራቕ ኣፍሪካ ከምዝኾነት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ተመራፂት ማእኸል ስሕበት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ምብራቕ ኣፍሪካ ከምዝኾነት ፀብፃብ ኮንፈረንስ ንግዲን ልምዓትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጠንካራ ምዕባለ ኢኮኖሚ ብምምዝጋብ ፈላመይቲ ከምዝኾነት ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብ ንኬኒያን ኡጋንዳን ከምዝመርሐተን ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ እውን 3 ቢሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከምዝሰሓበት ንኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርአያስላሴን ብምርቋሕ እቲ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.