Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምስንዳእ ሕቶ ከምዘቕረበት ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምስንዳእ ሕቶ ከምዘቕረበት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሕቶ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ንኽረክብ ድማ ነበር ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ናይጄሪያ ዳንኤል ኣሞካቺን ንዋንኩ ካኑ ኣምባሰደራት ኢትዮጵያ ብምዃን ተመሪፆም ፃዕሪታት ከምዝጀመሩ ኣልዒሎም።

ዝዓበየ ኣህጉራዊ ውድድር ናብ ኢትዮጵያ ንምምፃእ ምስ ፕሬዚዳንት ካፍን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ልዝባት ከምዝተኻየዱ እውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሰሙን ፍሉጣት ነበር ተፃወትቲ ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡሉ ሓደ ምኽንያት እውን ኣብ ዓውዲ ኩዕሾ እግሪ ንኢትዮጵያውያን መናእሰይ ንምንቕቓሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.