Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጎረበት ተኮር ሓበራዊ ልምዓትን ምዕባለን ኢያ ትደሊ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ጎረበት ተኮር ሓበራዊ ልምዓትን ምዕባለን ኢያ ትደሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ጉዳይ ሱዳን ንሕና ኢትዮጵያዊያን ከም ናይ ባዕልትና ብምርኣይን ፈትሓዊ ብዝኾነ መገዲን ግደና ክንዋፃእ ኣለና ኢሎም።

ምክንያቱ እውን ኣብዝሓ ጎንፂ ኣብ ዝሕረሱን ዝለምዑን ከባቢታት ብምዃኑ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ጎረበት ተኮር ምዃና ንምግንዛብ ድማ፥ ምስ ህወሓት ኣብ ዝነበረ ኲናት  መንግስቲ ሱዳን ብዘይኣግባብ መሬት ሒዙ ከምዝነበረ ኣዘኻከሮም።

ይኹን እንበር ሱዳን ኣብ ዝተፀገመትሉ እዋን ኢትዮዮጵያ ነቲ ቦታ ንምምላስ ኣይፈተነትን፤ እቲ ፀገሞም ክሳብ ዝፈትሑ ንፅበ ኢና ዘለና ኢሎም።

ኣብ እዋን ሰላም እወን ንሱዳን ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንትንልእኽ ነይርና ብምባል፥ ይኹን እንበር ክልተ ሰለስተ ዓመታት መንግስቲ እታ ሃገር ምኽፋል ስለዘይከኣለ ኢልና መልኣኽ ደው ኣየበልናን ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ጉርብትና ኣብ እዋን ሰላም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ እዋን ፀገም እውን ኢዩ ኢላ ከምእትኣምን  መርኣያ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሶማሊያ ብዝምልከት እውን ነታ ሃገር ሰላምን ሓድነትን ከንብል ሞይትና ኢና ብምባል፥ ካብ ዝኾነ መንግስቲ ሃገራት ንዓቐብ ኢትዮጵያ ንሶማሊያ ዘለዋ ክብሪ መርኣያ ገሊፆም።

ኣብ ሓድነት ሶማሊያ ሕቶ ፈጢርና ዘይኮነስ ኩለን ጎረባብቲ ሓቲትና ምላሽ ብምስኣንና ኢዩ ምላሽ ምስ ዝሃበትና ሶማሊላንድ ዝተፈራረምና ኢሎም።

ብመሰረት ኣወቀ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.