Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጉባኤ ኣፍሪካ ሩሲያ ንምትእንጋድ ዘለዋ ድሌት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ዝካየድ ካልኣይ ጉባኤ ኣፍሪካ ሩሲያ ንምትእንጋድ ዘለዋ ድሌት ገሊፃ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ብደረጃ ኣምባሳደር ፀሓፊ ምትሕብባር ፎረም ኣፍሪካ ሩሲያ ኦሌግ ኦዜሮቭ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ምድላው ጉባኤ ኣፍሪካ ሩሲያ ዝምልከት ልዝብ ተኻይዱ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለዋ ድሌት ነቶም ፀሓፊ ገሊፆምሎም።

ሩሲያ እቲ መድረኽ ንምፍጣር ዝወሰደቶ ተበግሶ ዝነኣዱ ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ጉባኤ ኣፍሪካ ሩሲያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምትእንጋድ ዘለዋ ድሌት ገሊፆም።

ኦሌግ ኦዜሮቭ ብግደኦም፥ ብዛዕባ ስራሕን ሓላፍነትን ቤት ፅሕፈቶም ዝምልከት መብርሂ ንኣይተ ደመቀ መኮንን ሂቦምዎም።

ኩባኒያታት ኣፍሪካን ሩሲያን ብሓባር ንኽሰርሑ ዘኽእል ማሕበር ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምዝተጣየሸ ምግላፆም እውን ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ኣካል ምድላው እቲ ጉባኤ ዝኾነ ልዝብ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ሃገራት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ድሕንነት፣ ቴክኖሎጂ ፈጣራ፣ ሕርሻ፣ ሓይሊ፣ ኒውክሌር፣ ጥዕናን ምርምር ስነ-ምድርን ዘለወን ምትሕብባር ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

እቶም ፀሓፊ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ሞስኮ ዑደት ንኽገብሩ ዕድመ ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.