ኢትዮጵያ ድንበር ተገርቲ ገበናት ንምክልኻል ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ጉባኤ ማእኸል ኦፕሬሽን ዞባዊ ድሕንነት (ሮክ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ም/ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ ኣብ ዝገበሩዎ መኽፈቲ መደረ÷ ሮክ ብዛዕባ ስደትን ተተሓሓዝቲ ሓበረታታት መስመራት ገበን ብዝሐሸ ንምክትታልን ንምልውዋጥን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ብዝተመሓየሸ ክልላዊ ዓቐሚ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝበፅሑ ጉድኣታት ንምንካይ ከምኡ እውን ዝውውር ዘይሕጋዊ ሰባት ንምውጋእ ሓበራዊ ሜላታት ኣብ ምስንዳእ ዘድሀበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ንምክልኻን ንምውጋእን ጥንኩር ቅዋም ከምዘለዋ እውን ኣፅንዖት ሂቦም፡፡
ኣብቲ ጉባኤ÷ ቴክኒካል ዳይሬክትር ሮክ ሄርቪ ጃሜት፣ ኦፕሬሽን ዳይሬክተር ሮክ ሙክታር ራማዴንን ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ሃገራት ከምዝተሳተፉ ሓበሬታ ፖሊስ ፌዴራል የመላኽት፡፡