Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ድሕሪ 12 ዓመት ብኣትሌት ኣበባ ኣረጋዊ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2012 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ኦሎምፒክ ለንደን ንኢትዮጵያ ብ1 ሺሕነ 500 ሜትሮ ዝወከለት ኣትሌት ኣበባ ኣረጋዊ ድሕሪ 12 ዓመት ሜዳሊያኣ ረኺባ።

እታ ኣትሌት ቅድሚ 12 ዓመት ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ 5ይቲ ብምውፃእ ዛዚማ ነይራ፡፡

ይኹን እምበር በቲ ውፅኢት ተሳትፎ ዝነበረን ካልኦት ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዓለም ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ውፅኢተን ክስረዝ ተገይሩ ኢዩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ እዋን 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ዝዛዘመት ኣትሌት ኣበባ ኣረጋዊ ደረጃኣ ናብ 3ይ ክብ ብምባሉ ድሕሪ 12 ዓመታት ንሃገራ ዘምፀአቶ ሜዳሊያ ነሓስ ተረኪባ።

እታ ኣትሌት ነቲ ሜዳሊያ ኣብ መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ኦሊምፒክ ፓሪስ ብምርካብ ከምዝወሰደት ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.