Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብበፃሕቲ ከብ ዝምረፃ ሸውዓተ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ኢያ – መፅሄት ፎርብስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ድሕሪ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንበፃሕቲ ካብ ዝምረፃ ሸውዓተ ሃገራት ሓንቲ ከምትትከውን መፅሄት ፎርብስ ተንቢዩ።

እቲ መፅሄት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዘፈር ሪዝም ብልዑል ብርኪ ከምዝተጎድአ ኣፍሊጡ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ሃገራት ካብቲ ዓውዲ ዝረኽበኦ ዝነበራ ኣታዊ ከምዝሳና እቲ መፅሄት ኣብ ፀብፃቡ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ምትፋእ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ድማ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሸውዓተ ሃገራት ተመረፅቲ መባፅሕቲ ቱሪዝም ከምዝኾና ትንበይኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ባህሊን ታሪኽን ፈላመይቲ መባፅሒት በፃሕቲ ዓዲ ከምትኸውን ገሊፁ።

ኢትዮጵያ መበቆል ደቂ ሰባት፣ መበቆል ስልጣነን ባዕዳዊ ወረርቲ ብዓውደ ኲናት ዝሰዓረትን ብሕታዊት ኣፍሪካዊት ሃገር ምዃና እውን ኣብ ፀብፃቡ ኣካቲቱ።

እዚኦምን ካልኦትን ምኽንያታትን መሰረት ብምግባር ንበፃሕቲ ተመራፂት ሃገር ከምዝገብራ ኢዩ እቲ መፅሄት ዝሓበረ።

መፅሄት ፎርብስ፥ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኢራን፣ ማይናማር፣ ጆርጂያ፣ ፊሊፒንስ፣ ስሎቬኒያን ኣፍሪካዊት ሃገር ቱኒዚያን ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንበፃሕቲ ተመረፅቲ ዝኾና ሃገራት ብምባል ፈሊዩወን ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.