ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽትፈትሕ ኣሜሪካ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክተቕርብ ኢያ – ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽትፈትሕ ኣሜሪካ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክተቕርብ ኢያ ክብላ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾና ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ገሊፀን።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።
ኣምባደሳደር ሬድዋን ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ኩነታትን ጉጅለ ህወሓት እናካየዶ ዝርከብ ተግባር ጥፍኣትን ብዝርዝር ኣረዲኦም።
ኣብቲ ክልል ብዝነበረ ኲናት ዘስዐቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ኩነታታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽኽዝም ንምግባርን፥ መንግስቲ ዘቕረቦም ኣማራፂታት ሰላምን ብእዋኑ ተበፃቲ ዝገበሮም ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝምልከት እውን ገለፃ ገይሮም፡፡
ህወሓት መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ዝሃቦ ኣማራፂ ሰላም እንተይተጠቐመሉ ከምዝተረፈ ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን፥ እኳ ደኣስ እቲ ጎንፂ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምስፋሕ ተወሳኺ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ኣብሪሆም፡፡
ምስዚ ተተሓሒዙ ህወሓት ዝፈፀሞም ገበናት ንኣምባሳደር ጃኮብሰን ገሊፆምለን።
ኩለመዳያዊ ሓገዝ ብዝምልከት ድማ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ንዝነብሩ ዜጋታት ቀረብ ምግቢን መድሓኒትን ብግቡእ ንኽባፃሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ድሕሪ ሕዚ እውን እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት ኣረዲኦም፡፡
ሓይሊ ህወሓት ካብ ሓደሓደ ከባቢታት ክልል ዓፋር ዝወፅአ ይኹን እምበር ሐዚ እውን መሊኡ ከምዘይለቐቐ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ብሰላምን ምትሕብባርን ናይ ምስራሕ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ካሊእ ወገን እውን ነዚ ዝምጥን ምላሽ ንኢትዮጵያ ከርኢ ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም፡፡
ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰን ብግደአን ንዝተረለን መብርሂ ናእደአን ብምግላፅ፥ “ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽትፈትሕ ኣሜሪካ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክተቕርብ ኢያ” ኢለን።
ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዳግም ናብ ዝሐሸ ብርኪ እናዓበየ ምምፅኡን እቲ ርክብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ከምዝሰርሓን ብምግላፅ፤ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዛት ተጠናኺሮም ኣብ ዝቕፅሉሉ ኩነታት ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ እውን ኣረጋጊፀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።