Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ተፈፃሚ ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ተናኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ተፈፃሚ ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ዝነኣድ ኢዩ ክብሉ መተሓባበሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ረዚደንስን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፀን።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ መተሓባበሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ረዚደንስን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካትሪን ሱዚ ተዛቲየን፡፡

ኣብ 2030 ንምዕዋት ዝተቐመጡ ዛዕባታት ኣፈፃፅማ ሸቶታት ዘላቂ ልምዓት ኣብ ዝግምግም ዓለም ለኸ ጉባኤ  ሸቶታት ዘላቂ ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ተሳትፎ ብዝምልከት ፍጹም (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ዘተ ገለፃ ገይረን፡፡

ብብርኪ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን ዝተፈጠሩ ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት የሃልዉ እምበር ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ውፅኢት ዘምፅኡ ተግባራት ከምዝተሰርሑ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

“ኣብቲ ጉባኤ ብፅቡቕ ጎኒ ክቐርቡ ዝግበረኦም ውፅኢታዊ ተሞክሮታት ኣለዉና” ዝበላ እተን ሚኒስትር÷ ነዚ ድማ እኹል ምድላ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣረጋጊፀን፡፡

ካትሪን ሱዚ ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዋላ ትኹን እምበር ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ተፈፀምቲ ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እታ ሃር ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሰብኣዊ ሓገዝን ብዙሓት ተግባራት እናሳለጠት ከምዝኾነት ዝሓበራ እተን መተሓባበሪት፥ ነዚ ድማ መሓዙት ኣካላት ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲተን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.