Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘላቒ ስግግር ከተማነት ኣፍሪካ ንምዕዋት ቆራፅ ኢያ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘላቒ ስግግር ከተማነት ኣፍሪካ ንምዕዋት ቆራፅ ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣብ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ መኽፈቲ መደረ ዘስንዑ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ሓሳባት ፓን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ንነዊሕ ዘበናት ተግባራዊ ቆራፅነት ከምዘርአየት ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ ከተማነት ኣፍሪካ ዝሐሸ ኣብ ምግባር ዝዝቲ ጉባኤ ብምትእንጋዳ ክብሪ ከምዝስመዓ ብምሕባር፥ “ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ልምዓት ኣህጉርና ንቕድሚት ንኽስጉም ሓበራዊ ቆራፅነት ነርእየሉ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ኣጀንዳ 2063 ከተማነት እንብህጋ ኣፍሪካ ንምፍጣርን ንምዕዋትን ንፀጋማት ኣህጉራዊ መፍትሒ ንመሃብን ከምዝሕግዝ እውን ኣልዒሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.