ኢትዮጵያ ዕዳጋ ቻይና ንምጥቓም እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዕዳጋ ቻይና ንምጥቓም እናሰርሐት ምዃና ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያን ቻይናን ዲፕሎማሲ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 55 ዓመት “55 ዓመታት ብጥንኩር ምሕዝነት ንሓበራዊ ዕቤት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤጂንግ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ፡፡
እቶም ኣምባሳደር÷ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ንፋና ሚድያ ኮርፓሬሽን ተዛሪቦም፡፡
“ኢትዮጵያ ዕዳጋ ቻይና ንምጥቓም እናሰርሐት ትርከብ፤ ብፅርየት ብምፍራይን ብምሻጥን ተነሓናሕቲ ክንከውን ኢና፤ ነዙይ ድማ ቻይና ዘሰናደአቶ ዜሮ ታሪፍ ምጥቃም ንኽእል ኢና” ክብሉ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዘቑፀረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ÷ ኣብ ምትእምማን፣ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ልውውጥ ንግዲ እተን ሃገራት እናዓበየ ምምፅኡ ብምሕባር ÷ ፍርያታት ጥራጥረ ንወፃኢ ዕዳጋ ቐረበ ከምዝርከብን ኣብ ቀፃሊ ፍርያታት ካሳቫን እንስሳትን ናብ ቻይና ንምልኣኽ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ብዳዊት መስፍን