Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዕላማ ብሪክስ ኣብ ምስራፅ ብምትሕብባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ሞስኮ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ኣቐበልቲ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ብኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ዝተመርሐ ልኡኽ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣምባሳደር ነብዩ፥ ኢትዮጵያ ዕላማ ብሪክስ ኣብ ምስራፅን ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ኣብ ምክልኻልን ምስ ኣባል ሃገራት ብምትሕብባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ዕላማ ብሪክስን ማዕረ ተረባሕነት ኣባል ሃገራትን ኣብ ምርግጋፅ መራኸብቲ ሓፋሽ እተን ኣባል ሃገራት ብምትሕበባር ምስራሕ ከምዝግበአን እወን ተዛሪቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.