Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዓወታት ልምዓታ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራ ውሕመ ኣካፊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘመዝገበቶም ዓወታት ልምዓት ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣካፊላ፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ኣብ ኳታር ዶሃ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብን ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ትኹረት ብምግባር ዝመክርን 5ይ ጉባኤ ውሕመ÷ ኢትዮጵያ ብልምዐዓት መስኖ፣ መፍረያይነት ስርናይ፣ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓትን ዘመዝገበቶመ ውፅኢታት ኣቕሪበን፡፡

ህልው ኩነታ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራ መሰረት ብምግባር እንተተሰሪሑ ውፅኢታዊ ምዃን ከምዝከኣል ኢትዮጵያ ፅብቕቲ መርኣያ ከምዝኾነት ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ልዕሊ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ዝበፅሑ ፈተናታት ንምፅዋር ቆራፅነት ዓለም ለኸ መሓዙት ዳግም ምርግጋፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ እተን ሚኒትር ኣገንዚበን፡፡

ኣብ ስራሕ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ኢኮኖሚን ፋይናንስን ትርጉም ዘለዎ ምላሽ ክህብ ከምዘይከኣለ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.