Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ክትፈትሕ ይግባእ-ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀፅታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ክትፈትሕ ይግባእ ክብላ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ገሊፀን።

ቀወምቲን ተቐያየርቲን ኣባል ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘተየ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ውሽጣዊ ፀገም ባዕላ ክትፈትሕ ይግባእ ኢለን።

ብፍላይ ሩሲያን ህንዲን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ መነግስትበይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ስጉምቲ ብምትሕልላፍ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈፀሞ ግፍዒ ኣውጊዘን።

ሩሲያ ብተወካሊኣ ኣቢላ “ኣብ ወርሒ ሰነ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርፀን ዓቕሚ ዘለዎን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘሎ እቲ ፀገም ባዕልቶም ኢትዮጵያውያን ይፍትሕዎ” ኢላ።

ቻይና ብግደኣ፥ “ ብስም ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ ሉእላውነት ንምጥሓስ ምፍታን ቻይና ብፍፁም ኣይትቕበሎን፤ ሃገራት ዓለም ብሙሉአን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኾና ይግባእ፤ ኢትዮጵያ ፀገማ ንምፍታሕ ባዕላ እኽልቲ ኢያ፤ ብስም ሓገዝ ፀገም ንምፍጣር ዝፍትኑ ጉጅለታት ናይ ውሕመ ሕጊ ክኽበር ይግባእ” ብምባል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከደው ከም እትብል ኣፍሊጣ።

ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፀገሙ ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ዝገለፀት ህንዲ ድማ “ እቲ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ እኹል ኢዩ” ኢላ።

ኬንያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምንባር ዝሕሰብ ምንም ዓይነት ማዕቐብ ከምዘይትድግፍ ሓቢራ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝፈተና ናይ ኣሜሪካን ኢንግሊዝን ሓሳብ ፀገማ ንምፍታሕ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ኣየድልን ብምባል ብኻልኦት ሃገራት ዝተገለፁ ሓሳባት ተቓውሞ ቀሪቡለን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኢትዮጵያ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ታዬ እፅቀስላሴ፥ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምእታው ክውስነልኪ ዝብሉ ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ከምዘይትቕበል ኣብቲ ኣኼባ ተኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.