Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ደምቢ ስነ-ምግባር እቲ ትካል ብምጥሓስ እናፈፀሙዎ ዝርከቡ ኣድልዎ ክምርምረላ ንቦርድ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝኾኑ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ደምቢ ስነ-ምግባር እቲ ትካል ብምጥሓስ እናፈፀሙዎ ዝርከቡ ኣድልዎ ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ንክምርምረላ ሓቲታ።

ኢትዮጵያ ናብቲ ቦርድ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ ከምዝበለቶ፥ ኢትዮጵያ እቶም ዋና ዳይሬክተር ነቲ ቦታ ምሕፃያ ሕጉስቲ ትኹን እምበር ካልኦት ሃገራርን ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን ሓገዞም ብምግላፆም ምስጋና ብምቕራብ እቶም ዳይሬክተር ግን ትፅቢት ዝግበረሎም ሞያዊ ግቡእ እናተዋፅኡ ኣይኮኑን ኢላ።

ዶክር ቴድሮስ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም እናእተዉ ከምዝኾኑ ኣብቲ ደብዳበ ተገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ ግብረ ራዕዲ ተባሂሉ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝተፈረጀ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣባልን ደጋፊን ምዃኖም ቀፂሎምሉ ኣለዉ ኢሉ፡፡

ዳይሬክተርነት ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ንመጥቀሚ ውልቃዊ ፖለቲካ ኣውዒሎምዎ ኢዩ ኢሉ ዘሎ እቲ ደብዳበ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናፈፀሞ ዝርከብ ራዕዲ ብግልፂ ከምዝድግፉ ኣብ መማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ካብ ዘውፅኡዎም ፅሑፋት ምርዳእ ከምዝከኣል እውን ገሊፁ።

መዝነቶም ብምጥቃም ትካላት ውሕመ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብፀላእነት ንኽንቀሳቐሱ ምስረሖም እውን ኣብቲ ደብዳበ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ጉዳይ ብዝምልከት እንተልዕሉ ኣድልዎ ብምግባር ዝደለዩዎ ጥራሕ ከምዝመርፁ ኢዩ ተመልኪቱ ዘሎ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ናብ ቦርድ ዳይሬክተራት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ እቶም ውልቀ ሰብ ነዚ ገበኖም ተሓታቲ ክኾኑ ሕጋዊ ከይዲ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ደምቢ ስነ-ምግባርን መምርሒን እቲ ትካል ዝጠሓሰ ተግባሮም ክምርምርን ዝወስዶ ስጉምቲ ንኸፍልጥን ሓቲቱ እቲ ደብዳበ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.