ኢትዮጵያ ወደብ ላሙ ንኽትጥቀም ኩነታት እናመዓራረየ ከምዝኾነ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ወደብ ላሙን ኮሪደር ላፕሴትን ንኽትጥቀም ኩነታት እናመዓራረየ ከምዝኾነ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሪደር ላፕሴት ሚኒስትር ሜና ኣኬንዶ ኣብ ኤምባሲ ፌዴሪኢ ኣብ ኬንያ ዑደት ብምግባር ምስ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ተዛቲዮም።
እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ወደብ ላሙ ንኽጥቀሙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣገልግሎት እቲ ወደብ ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ምክያድ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።
ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንኢትዮጵያን ኬንያን ብዝበለፀ ከተኣሳስሩ ዝኽእሉ ሰለስተ ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ገሊፆም።
ንሳቶም ድማ ምምራቕ ወደብ ላሙ፣ ምጅማር ስራሕ ኣገልግሎት ሓደ ኬላ ሞያሌን ሳፋሪኮም ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ፍቓድ ምርካብን ከምዝኾኑ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።
ሰብ ሃፍቲ ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ዕድል ኢንቨስትመንት ንኽቀሙ ብምግባር ኣገልግሎት ወደብ ላሙ ምፍላጥ ከምዝከኣል እውን ገሊፆም።
ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ላሙን ሞያሌን መርሃግብሪ ዑደት ንምምዕርራይ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!