Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝኣቲይ ፍሪያት ስርናይ ንምትካእ ክልላት ፃዕረን ክብ ኣብ ምባል ይርከባ-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ብናይ ሓጋይ መስኖ ኣብ ዝለምዐ ስርናይ ዑደት የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓዊሱ፥ ዳይሬክተር ኣፈፃሚ ስራሕ ቦርድ ባንኪ ዓለምታዎፊላ ኒያማድዛቦ ን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ተረኺቦም።
ብተወሳኺ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ስዴ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።
እቲ ዑደት ብዝምልከት፥ “ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተረኺብና ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትይ ፍሪያት ናይ ምትካእ ድልየትና መርኣዪ ዝኾነ ግራውቲ ዘራእቲ ስርናይ ርእይና” ኢሎም።
ብተወሳኺ “ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝኣቲይ ፍሪያት ስርናይ ምስሳን ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ብመሰረት ዘለዋ ባህጊ ክልላት ፃዕረን ክብ ኣብ ምባል ይርከባ” ክብሉ ገሊፆም።
ሎሚ መዓልቲ ዑደት ዝተገበረላ ክልል ኦሮሚያ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 400 ሺሕ ሄክታር መሬት ብናይ ሓጋይ መስኖ ልምዓት ከምዝተሸፈነ ተሓቢሩ።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስትራትን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፥ ኣብ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ምዕራብ ደምቢያ ቀበሌ ዋዋ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዑደት ምግባሩ ይዝከር።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዑደት፥ “ሕርሻ መሰረት ኢኮኖሚ ሃገርና ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ፤ ቀረብ ፍርያት ስርናይ ብብርኪ ኩነታት ዓለም ፅንቶ እናጋጠሞ ስለዝኾነ፤ ብምግቢ ባዕልና ንምኽኣል ፍርያታውነት ምቅልጣፍ ኣዚዩ የድልየና” ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአናዮ ፍርያታውነት ተስፋ ዝህብ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ፥ ጉዕዞ ልምዓት ሕርሻና ኣድካሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፤ ይኹን እምበር ቃልስና መጠን ፍርያታውነትና ብሚሊየናት ንምስፍሕፋሕኢዩ ኢሎም ነይሮም።
ኣመራርሓታት ካብ ፖለቲካን ኣኼባን ግዘ ነኪዮም ንኢኮኖሚ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ብኣፈወርቅ ኣለሙን ዳግማዊ ዴክሲሳን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.