ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ኮይና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብልዑል ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ብምዃን ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይቲ እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብራህርሂን ሂቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ንዝሓዘቶ ትልሚ ንምዕዋት ልዑል ፃዕሪ እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተረኸበ ትልሚ ኣፈፃፅማ ኢኮኖሚ ኣብ ቀፃሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣጠናኺርካ ምቕፃል እንተኺኢሉ ልዕሊ ትልሚ ምዕዋት ከምዝክእል ተዛሪቦም፡፡
ብኻሊእ መዳይ፥ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ምንቅስቓሳት ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ዓመታት ብዝተወገኑ ስራሕቲ÷ ሎሚ ዘበን ጥራሕ ታሕተዎት ሓረስቶት ብኣዝርእቲ ዝተሸፈኑ ካብ 17 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ናብ 20 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ምዕባይ ተኻኢሉ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሄክታር ብስርናይ ዝተሸፈኑ ኣዝርእቲ እንትኾኑ ÷ ካብዙይ 300 ሚሊየን ኩንታል ዘይውሕድ ፍርያት ትፅቢት ከምዝግበር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡
ሎሚ ኢትዮጵያ ብልዑል ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ብምዃና ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ሓቢሮም፡፡