Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ብሪክስ ረብሓ ንምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴተኣ እውን ንምውፃእ ድልውቲ ኢያ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ብሪክስ ረብሓ ንምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴተኣ እውን ንምውፃእ ድልውቲ ኢያ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ጎኒ ንጎኒ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ማእኸላይ ሓይሊ ዘለወን ሃገራት ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ፓነል ዝተሳተፉ ኣይተ ደመቀ፥ ብዛዕባ ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ፣ ዓለም ለኸ ስርዓትን ግደ ኣፍሪካን ቆላሕታ ዝገበረ ሓሳብ ኣካፊሎም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ሰላም፣ ድሕንነትን ኢኮኖሚን ዓለም ቁልፊ ግደ ካብ ዘለወን ኣህጉራት ሓንቲ ኣፍሪካ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ድኽነት፣ ሕፅረት ቴክኖሎጂ፣ ፋይናንስ፣ ክሌማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ድርቂን ምድኻም ከባቢን ቀንዲ ዕንቅፋታት ኣፍሪካ እንተኾኑ እውን፥ ኣፍሪካ ዕድላታ ብምጥቃም ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብዝሓሸ መገዲ ኣብ ጎደና ምዕባለ ከምዘላ ገሊፆም።

ብሪክስ ፍትሓዊ ዓለም ለኸ ስርዓት ንምዝርጋሕ፣ ቁልፊ ሕፅረት ፋይናንስ ንምቐራፍን ስሕበት ኢንቨስትመንት ኣብ ምርግጋፅን ሓደሽቲ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ ኢለም።

ኢትዮጵያ ካብ ብሪክስ ረብሓ ንምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴተኣ እውን ንምውፃእ ድልውቲ ኢያ ክብሉ እውን ገሊፀፆም ኣይተ ደመቀ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.