Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣፍ ደገ ባሕሪ ትረኽበሉ ሰነድ ስምምዕነት ኣመልኪቱ ዓለም ለኸ ሚዲያታት እንታይ በላ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ትማሊ በሪ ባሕሪ ትረኽበሉ ስምምዕነት ምስ ሶማሊላንድ ምፍርራማ ስዒቡ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነትን ሕቶ በሪ ባሕሪን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ኣጋዊሐን ኢየን፡፡

ብተመሳሳሊ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ እውን እቲ ስምምዕነት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ሒዘን ወፂአን፡፡

ንኣብነት ቢቢሲ ሒዙዎ ኣብ ዝወፅአ ሓሬታ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብ ትኽእለሉ መገዲ እናፀረገት ምዃና ኣብ ርእሱ ፅሒፉ፡፡

ቢቢሲ ኣብ ፀብፃቡ በሪ ባሕሪ ዘይብላ እታ ሃገር ሓደ መዓልቲ ተጠቃሚት ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምዃን ዘኽእላ ፈላማይ ሕጋዊ ስምምዕነት ፈሪማ ኢሉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ ናይ ህልውና ጉዳይ ኢዩ” ምባሎም እውን ኣዘኻኺሩ፡፡

ግልጋሎት ዜና ቱርኪ ኣናዱሉ÷ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዝነበራ ሃንቀውታ ጋህዲ ንምግባርን ተጠቃምነት ወደባትን ንምርግጋፅ መገዲ ዝፀርግ ከምዝኾነ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ፍልፍል ዜና ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝሰኣነት ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝቐፀለ ሕቶ ናፅነት ኤርትራ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ዘ ማሪታይም ኤክስኪዩቲቭ ኣሜሪካ ብግድኡ÷ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካባ ዘመላኽት ከምዝኾነ ብምግላፅ ፅሒፉ፡፡

ሶማሊላንድ ናይ በርበራ ወደባ ብዙሓት ኮንቴይነራት ዝፀዓና መርከባት ከተኣናግድ ብምግባር እናሰናደአቶ ምዃና ተመልኪቱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.