Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ዝተሓረዩ ከባቢታት ኢንቨስትመንት ሓንቲ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) 18 ክሳብ 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም ብቐንዱ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ትሕዝቶ መሬት ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ዝተሓረዩ ከባቢታት ኢንቨስትመንት ሓንቲ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ኮርፖሬሽን ልምዓትን ባንኪን መሬት ፌዴራል ኣፍሊጡ።

“ኢንቨስት ኦሪጅንስ” ዝተብሃለ ዓለም ለኻዊ ፎረም ኢንቨስትመንት ካብ 2 ቢሊየን ዶላር ንላዕሊ ኣታዊ ንምምፃእ ዝኣንፈቶ ትሕዝቶ መሬት ዘለምዑ ትካላትን ሰብ ሃፍቲን ብምእካብ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ሌንሳ መኮንን፥ ትካሎም ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ስትራቴጂ ቀሪፁ ኣብ ዝሓለፉ ከልተ ዓማውቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፣ ጥዕና፣ ሆቴል፣ ትምህርቲን ኣይ ሲ ቲን ልምዓት ዝተፈላለዩ ፅርየት ዘለዎም ኢንቨስትመንታት ናብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ንክመፅኡ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ አውን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.