Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ከተማታት ንነበርተን ምቹዋት ኣብ ምግባር ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ትሰርሕ ኣላ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከተማታት ንነበርተን ምቹዋት ኣብ ምግባር ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ትሰርሕ ኣላ ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ቀዳማይ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ብኣሰናዳአነት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ወ/ሮ ጫልቲ ሳኒ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ኢትዮጵያ ፎረም ንኽተኣናግድ ካብ ትምረፅ ጀሚሩ ኣድላዪ ምድላው እናገበረት ምፅናሓ ኣብሪሀን።

“እቲ ፎረም ኣብ ኣፍሪካ ምስ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ተተሓሒዞም እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ብምትሕብባርን ብምውዳድን ንምፍታሕ እጃምና ነበርክተሉ ኢዩ” ኢለን።

ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ዘላቒ ልምዓት ከተማታት ምርግጋፅ ከምኡ እውን ምምጥጣን ከተማነት ምጥዕዓም ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ኣፍሪካ እናወሰኸ ዝርከብ ቁፅሪ ህዝቢን ፅዕንቶ ንብረት ኣየርን ምላሽ ክህብ ዝኽእል ዘላቒ ልምዓት ከተማታት ከምዘድሊ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂ፡፡

ብመንፅ እዚ ከተማታት ኢትዮጵያ ንፁሃትን ንነበርተን ምቹዋት ኣብ ምግባርን ኣብነት ዝኾኑ ስራሕቲ እናወገነት ከምዝኾነት እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.