Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ለውጢ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ መሰረት ኢዩ – ዶ/ር ፍጹም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ለውጢ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ መሰረት ከምዝኾነ ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ብሓላፊ ሳፋሪኮም ኣብ ኬንያ ሚካኤል ጆሴፍ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ንመሃብ እናተዳለወ ዝርከብ ሳፋሪኮም ኣባል ዝኾነሉ ዓለም ጥምረት ንኢትዮጵያ እናሳለጦም ኣብ ዘለዉን ኣብ ቀፃሊ ዘሳልጦምን ስራሕቲ ብምድሃብ ተላዚበን፡፡

ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናካየደቶ ኣብ ትርከብ ለውጢ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ መሰረት ብምግባር ንተረባሕቲ ኣማራፂን ፅሬት ዘለዎን ኣገልግሎት ንምርካብ ዕዳጋ ንተናሓናሕቲ ክፍቲ ምግባራ ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተገበሩ ዝርከቡ ለውጢታት ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ትገብሮ ስግግር መሰረት ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡

ነቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ዝመርሑ ሓላፊ ሳፋሪኮም ኣብ ኬንያ ሚካኤል ጆሴፍ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ተዋፊሩ ንኢትዮጵያውያ ኣገልግሎት ንኸቕርብ ንዘሃቦ ዕድል ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ብኣንዋር ኣብራር

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.