Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ እናበፅሓ ዝርከብ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ዘለዋ ሓቂ ተበፃሒ ንምግባርን ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፋ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እናበፅሓ ዝርከብ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ዝሓዘቶ ሓቂ ተበፃሒ ንምግባርን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዳያስፖራታት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ሰላማዊት ዳዊት፥ ኣፈፃፅማ ርብዒ ዓመት 2014 ዓ.ም ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ፥ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ትርከበሉ ወድዓዊ ኩነታት ትኽክለኛ ብዝኾነ መገዲ ማሕበረሰብ ንኽርዳእ ልዕሊ 500 መልእኽቲታት ብምሕንፃፅ ወፍሪ ትዊተር ከካይድ ከምዝኸኣለ እተን ዳይሬክተር ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተሳተፍቲ ዝኾኑሎም 13 ሰላማዊ ሰልፊታት ከምዝተኻዱ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ስራሕቲ ሃገራዊ ልምዓት ንምሕጋዝ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ከምዝተሰርሐ ዝገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፥ ንግድብ ሕዳሰ ዝኸውን 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ድማ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ምትእኽኻብ ከምዝተኽኣለ ምግላፀን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.