Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ እናሳለጠቶ ትርከብ ሓምለዋይ ልምዓት ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኢንስቲትዩት ሓምለዋይ ልምዓትን ኢንስቲትዩት ሪሶርስ ዓለምን ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ኢኮኖሚ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረቶ ትርከብ ንምድጋፍ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕነት ፈሪሞም።

እቲ ስምምዕነት፥ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኢንስቲትዩት ሓምለዋይ ልምዓት ዶክተር ፍራንክ ሪጅስቤርማንን ተወካሊ ጉዳያት ውዕሊ ኢንስቲትዩት ሪሶርስ ዓለም ጄፍ ሊንን ኢዮም ፈሪሞምዎ።

ክልቲአን ትካላት ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዘኽእል ማዕቐፍ ምትሕብባር ዘካትት ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ምርምር፣ መርሃ ግብሪ ንብረት ኣየር፣ ድሌት ዘማእኸሎ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ሓገዝ ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.