Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ 2ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዕዉት ተሳትፎ ምግባራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ መበል 2ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዕዉት ተሳትፎ ምግባራ ግልጋሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ብዝምልከት ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ሙሉኣለም ደስታ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ÷ “ኢትዮጵያ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ብዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፋ” ኢሎም።

እቲ ልኡኽ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዓቖቡ ስደተኛታት ተረባሕነቶም ንምርግጋፅ እናሰርሐቶ ትርከብ ተግባር ኣብቲ ጉባኤ ከምዝቐረበን ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ድማ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻትን ዕዉት ተሳትፎ ከምዝገበረ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ካብ ፅዕንቶ ንብረት ኣየር፣ መዕቖቢ ጣቢያ ስደተኛታት፣ ትምህርቲን ስልጠናን፣ ስደተኛታት ዝርከቡሎም ዕድላት ኢንቨስትመንት፣ ካብ መፍረያይነት ስደተኛታትን ተቐበልቲን ማሕበረሰብ ከምኡ እውን ካብ ተበፃሕነት መርበብ ሓሬታ ዝተተሓሓዙ ሽዱሽተ ቃል ኪዳናት ከምዘፅደቐት ሓቢሮም።

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድስ 67 ሚሊየን ዩሮ ከምኡ እውን ምስ ባንኪ ዓለም 50 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ስምምዕነት ሓገዝ ምግባራ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ስደተኛ ተቐበልቲ ሃገራት ፅዕንቶአን ንምንካይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ቃል ከምዝተኣተወ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ጎረባብቲ ሃገራ ሓዊሱ ካብ ልዕሊ 26 ሃገራት ዝተሰደዱ 1 ሚሊየን ስደተኛታት እናተኣናገደት ትርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.