ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቲቫል ህንዲ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኩነታት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ሓዘና ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቲቫል ህንዲ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኩነታት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ሓዘና ገሊፃ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ህንዲ ኩምብ ሜላ ፌስቲቫል ብምኽኒያት ምብዛሕ ሰባት ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዕግርግር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።
ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብዚ ከቢድ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ህንዲ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።
ንህዝብን መንግስቲን ህንዲ ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።
ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት 15 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ ብዙሓት ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩየ።